ትግራይ እንታይ ሒዛ እያ ሃገር ክትከውን?

ብዙሓት ተጋሩ እንታይ ክንበልዕ ኢና ካብ ኢትዮጵያ እንፍለ ክብሉ ይሰምዕ እየ። ኢትዮጵያውያን እውን ንተጋሩ ጥይት እምበር እንጀራ ኣኾሊሶምና ከምዝፈልጡ፤ እንታይ ክትበልዑ ኢኹም ይብሉና፤ ንሕና እውን ነጋውሖ። እዚ ርድኢት ከመይ ኢሉ ኣብዚ ሐዚ ዘለዎ ደረጃ ከምዝበፅሐ ዓርሱ ዝኸኣለ ነዊሕ ኣመፃፅኣ ኣለዎ። ካሊእ ጊዜ ክንምለሶ። ንሎሚ ትግራይ እንታይ ሒዛ እያ ሃገር ክትከውን ዝብል ንርአ።

መዘኻኸሪ: ሃፍትታት ትግራይ ኣብዚ ዘርዚርካ ንምውዳእ ዝዓለመ ፅሑፍ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክገልፅ። እኳ ድኣስ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ ክሕብር ይፎቱ። ትግራይ ሃገር ንምዃን ዘለዋ ዓቕሚ ብጥቕልሉ ንምርኣይ እምበር ናብ ዝርዝር ገለፃ እንተኣቲና ብዙሓት መፃሕፍቲ’ውን ኣይኣኽሎን።

ትግራይ እንታይ ሒዛ እያ ሃገር ክትከውን?

እንታይ ከ ስኢና!?

ትግራይ ሃፍታም እያ፡፡ መሊኡ ዘይጎደለ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ሓይሊ ፀዓት፣ መዓድናት፣ ሃፍቲ እንስሳ ወዘተ ኣለዋ፡፡

ሙሁራት ስነ-ቁጠባ መፂኦም በቢ ዘርፉ ብቁፅሪ ዝተደገፈ መብርሂ ክሳብ ዝህቡና ብሓቂ ኣፍልጦ ሓፂሩዎም ንዝሓቱ ተጋሩ ብዘላትኒ ውስንቲ ፍልጠት ከረድእ ክፍትን።

ካብ ካልኦት ሃገራት ወሲድና እነማዕብሎም ተሞክሮታት ከምዘለዉ ኮይኖም፤ ብኲናት ዝዓነዉ መሊስካ ናብ ንቡር ምምላስ እውን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብ ኢድና ዘለዉ ነገራት ተሓሳቢ ብምግባር ብወገነይ እዞም ዝስዕቡ ክብል።

1. ሰደድ/Export

ኢትዮጵያ ንወፃኢ ዓድታት ልኢኻ ሸርፊ ወፃኢ ካብ እትረኽበሎም እቶም ዋና 10 ሃፍትታት ብዘይ ቡን ዳርጋ ኩሎም ኣብ ትግራይ ኣለዉ። ቡን እውን ኣብ ከባብታት ራያን ካልኦት ቦታታትን ትግራይ ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ምዃኑ ተራእዩ እዩ።

ኣብ 2ይ ደረጃ እኽልታት ቅብኣት (ሰሊጥ፣ ንሂጒ… )፣ 3ይ ዝርከብ ወርቂ፣ 5ይ መኣድናት፣ 8ይ ሃፍቲ እንስሳ (ጤለ በጊዕ… ) ከምኡ እውን መዓር፣ ዕጣንን ካልኦትን ዝበዝሕ ካብ ትግራይ ይርከቡ። ብበዝሒ ጥራሕ ከይኮነስ ብፅሬት እውን።

እዚኦም ኩሎም ብዘይረብሕ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንዳተሰደዱ ምስ ካብ ካሊእ ከባብታት ዝመፀ ፅሬቱ ዘይሓለወ ምህርቲ ተሓዋዊሶም መፃወቲ ነጋዴ ኮይኖም እዮም።

ንኣብነት መዓር ትግራይ ብደረጃ ዓለም ብፅሬቱን መድሓኒትነቱን ኣፍልጦ ረኺቡ እንዳሃለወ፤ ብመሰል በዓል ዋናነት ኣመዝጊብካ በቲ ዝድለ ፅሬትን መጠንን ቀጥታ ካብ ትግራይ ናብ ተጥቀምቲ ሰኣን ምልኣኽ፤ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሓደ ለኣኺ መዓር ዝኾነ ሃይለ ገብረስላሰ ይሽየጥ እሞ ንሱ ድማ ላዕሊላዕሉ ናይ ትግራይ ገይሩ ምስ ካሊእ ሓዊሱ ይሸጦ። ኣብ ከይዲ ዓደግቲ ነቒሖሙሉ ንዝተወሰ ጊዜ ሰደድ ተቛሪፁ ምንባሩ ይዝከር። ናይ ትግራይ መዓር ክቕበሉ ሃንቀው ዝበሉ ዓደግቲ እንዳሃለዉ ብሰንኪ ንትግራይ ዘይጠቅም ስርዓት ንግዲ ፌደራልን ተገዲሱ እዚ ዝከታተል ክልላዊ መንግስትን ዓማዊል ኮርዮም ዝዕድግሉ ዓዲ ናብ ምቕያር በፂሖም’ዮም።

ብዛዕባ መዓር ትግራይ ካብ ዝተፀሓፉ

ሰሊጥ እውን እንተኾነ ብቀጥታ ካብ ሑሞራ ተፃዒኑ ናብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን እዩ ዝኸይድ። ብፅሬቱ ዝለዓለ ሰሊጥ ብሕሳር ሸይጥና ንጥዕናና ዘይተረጋገፀ ናይ ዓረብ ዘይቲ ብክባር ንገዝእ።

ወርቂ እውን ከምኡ። በገዛእ ሃፍትና ናይ ባዕልትና ሰባት ብዘርቀቕዎ ሕገ-መንግስትን ኣዋጃትን መን የውፃኣዮ፣ ኣበይ ይሸየጥ፣ ናበይ ይእቶ ዝውስን ስርዓት ፌደራል ነይሩ። ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ብፅሬትን ብመጠንን ዝያዳ ኣታዊ ገይራ ክተብቅዕ በጀት ዝብጀተላ ብበዝሒ ህዝባ’ዩ።

ትግራይ ዓለም ለኻዊ መለክዕታት ዘማልአ ናይ ባዕላ ምደባ ደረጃ ፅሬት ኣውፂኣ ብስርዓት ሰደድ እንተገይራ ካብቲ ካብ ፌደራል ዝብጀተላ ዝተዓፃፀፈ ኣታዊ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዋ። ናብራ ብርክት ዝበለ ትግራዋይ ድማ ክተመሓይሽ ምኸኣለት።

ኣብዚ ዙርያ ብርክት ዝበሉ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርቡ ዝኽእሉ ግን ድማ ዘይተፀንዑን ቆላሕታ ዘይረኸቡን ሃፍትታት ኣለውና። ንኣብነት ዒልቦ፣ መሸላ፣ ከምኡ’ውን ከም ሑመር፣ ሓብሓባ ዝበሉ ናይ በረኻ ፍረታት ወዘተ።

ንኣብነት ሑመር (tamarind) ሰደድ ብምግባር ካናዳ $491.55ሚሊዮን፣ ማሌዥያ $289.24 ሚሊዮን፣ ፖላንድ $287.21M ዓመታዊ ኣታዊ ይረኽባ። ካብ ኣፍሪካ ድማ ሱዳን፣ ኬንያን ታንዛንያን ብዙሕ ሰደድ ብምግባር ይፍለጣ። ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብርክት ዝበለ ሑመር ይፈሪ።

ሓብሓባ (baobab) እውን ኣብ ቆላታት ተግራይ ብበዝሒ ይፈሪ። ኣብ ኣፍሪካ ሰኔጋል፣ ማላዊ፣ ዝምባብዌ ሓብሓባ ሰደድ ብምግባር ሚሊዮን ዶላራት የትርፋ።

2. ቱሪዝም

ትግራይ ብመለክዒ ቱሪዝም ብዘይ ገምገም ባሕሪ (beach) ኩሎም ዓይነታት ተማልእ እያ። ብታሪኻውነቱ፣ ብጥንታውነቱን ብክብደት ትሕዝቱኡን ካብ ሃፍትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ልዕሊ 50% ናይ ትግራይ እዩ። ቱሪዝም ካብ ሰደድ ዘይነኣኣስ ኣታዊ ክንረኽበሉ ንኽእል ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ’ዩ።

ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምውፃእና ግን ኣብ ውሽጥና ብዙሕ ንሰርሖም ነገራት ኣለው። ንኣብነት:-

  • ውሽጣዊ ስምምዕ
    • ኣሰያይማ (ትግራይ፣ ኣክሱም፣ መቐለ፣ ቃፍታ-ሸራሮ፣ ወዘተ)፣
    • ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ (ንግስተ-ሳባ፣ ነጋሽ. . .)
    • ኣገላልፃ (ሓወልቲ ኣክሱም እንታይነት፣ ኣሰራርሓን ኣጎዓዕዛን/ውቅር ኣብያተ-ክርስትያን)
    • መእተዊ ዋጋ (ንኣብነት ላሊበላ 50 Euro፣ ኣክሱም 100 ብር)
    • ከባብያዊ ተጠቃምነት (ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ፣ ዴስኣ)
  • ትኹረት ዘይረኸቡ መባፅሕታት ምልማዕ (መቓብራት ጣልያን፣ ጎቦታት፣ ታሪኻዊ ቦታታት ወዘተ))
  • ኣቕርቦት (መጓዓዝያ፣ መዕረፊ፣ ወዘተ/ኣቡነ የማእታ ሽንቲ ቤት የብሉን – ንኣብነት:- ሓደ ሓረስታይ ኣኽፊሉ ከሽይን ምግባር)
  • ምልላይ (ንናይ ውሽጥን ወፃእን፣ እኹል ናይ ሚድያ ሽፋን፣ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ምጥቕላል፣ ሆቴላት ትግራይ ከም ግዴታ ስእልታት ትግራይ ክልጥፋ፣ ቢሮታት ዓደን ክጨንዋ ምግባር (ገበጣ መቐመጢ እስክርቢቶ. . .)

2.1 ተፈጥሮ

  • ቃፍታ-ሸራሮ ብሄራዊ ደኒ:- ብብዝሓ-ሂወት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኦሞ ቀፂሉ ካልኣይ ደረጃ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓደ ተኣኪበን ብዝርከባ ጠረር ተሳገርቲ ዓሌት ሓርማዝ ቀዳማይ፣ ናይ ዓለምና 9% ዓሌት ኣዕዋፍ ዲሞሳይል ክሬይን ዝርከባሉ፣ ልዕሊ 167 መጥበውቲ፣ ልዕሊ 95 ዓሌታት ኣዕዋፍ፣ 9 ተስሓብትን ካልኦትን ዝሓቖፈ እዩ። ብርክት ዝበላ ካብዘን እንስሳታት ኣብዚ ደኒ እዚ ጥራሕ ዝርከባ መበቆላዊ ሃፍትታት እየን። ብዓሌታት ኣግራብን ሳዕርን እውን ከባብያዊ ኩነታት ኣየር ኣብ ምቕያር ዓብይ ኣበርክቶ ዘለዎም መበቆላውን ዘይመበቆላውን ዓሌታት ይርከብዎ።
  • ዴስኣ:- ኣብ ሞንጎ ዝተሓተ ሙቐት ዓፋርን ቁሪ ደጉዓ ኣፅቢ ወንበርታን ኣብ 20,000 ሄክታር ዓሪፉ ዝርከብ ዝገርም ተፈጥሮ ዘለዎ፣ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝርከባ ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኤርትራን የመንን ዝርከባ ዓሌታት ኣዕዋፍን ከምኡ’ውን ዕድመ ፀገም ዓበይቲ መበቆላውያን ኣእዋም ይርከብዎ።
  • ሕጉም-ብርዳ:- ኣብ 2165 ሄክታር ዝሰፈረ ብርክት ዝበሉ ዓሌታት ተኽሊ፣ ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ዝሓቖፈ ንኣድነቕቲ ተፈጥሮ፣ ምሕዃርን ፅሙዋን ጥጡሕ ሕዛእቲ ዝሓዘ።
  • ሓሸንገ:- ኣብ ትግራይ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ፣ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ውሑዳት ኣብ 2,409 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ሃፍታም ቃላይ ሓደ ዝኾነ ቃላይ ካብ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታቱ ብተወሳኺ ልዑል ምህርቲ ዓሳ የበርክት::
  • ሩባታት:-  ተከዘ፣ መረብ፣ ወርዒ፣ ፅላረ፣ ኣንገረብ፣ ካዛ፣ መኮዞ፣ ሰሪካ፣ ቃሌማ፣ ዛሬማ፣ ሱር፣ ሸሸቢት፣ ፈራሲት፣ ምሻ፣ ገንጂ፣ በለሳ፣ ሰብሃ፣ ስሉሕ፣ ዛምራ፣ ሚሊያ፣ ጀለዋ፣ ደራራ፣ ሉሉላ፣ ዒንደሊ፣ ሊሖቲ፣ ወሰማ፣ ኣገፈት፣ ዓሰም ወዘተ
  • ጎቦታት:- ፅበት፣ ኣላጀ፣ ዓሲምባ፣ ሶሎዳ፣ ገርዓልታ፣ ነዋይ፣ ኣርዓዶም፣ ባሕረ ስሔታ፣ ሙጉላት፣ ዳማባ ኮማ፣ ነበለት፣ ዓድዋ፣ ሰማያታ፣ ገሊላ፣ ደብረ ኣንሳ፣ ጎሓሊት፣ እምባ ጢዞ፣ ኣሎጌን፣ እምባ ፅዋ፣ ወልቃይት፣ ሽሬላ፣ ዓዲ ዓኾሮ፣ ደጀና፣ ወዘተ
  • መንጫዕጫዕታታት:- ዘወልዲ፣ ሆላ፣ ቃቓ፣ ጨለዓንቋ፣ ወዘተ
  • ምንጪ ማይዝሁም:- (Hot spring/ፍልውሃ)፡ ወረባየ (አዎ ተክለሃይማኖት፣ አዎ ኣባጋብር)፣ ማዕዶ ኮረም፣ ኣቡነ ኣረጋዊ ትግሬ መንደር፣ ዴስኣ። ኣብ’ዞም ቦታታት እዚኦም ንግዳዊ መዘናግዒ ትካላት ብምህናፅ ብርክት ዝበለ ኣታዊ ምርካብ ይከኣል’ዩ።
  • ኣዕዋፍ:- ኣዕዋፍ ምርኣይ (Birdwatching) ካብ’ቶም ዝኸበሩ ዘርፍታት ቱሪዝም ሓደ’ዩ። ትግራይ ኣይተጠቐመትሉን እምበር ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቕሚ ኣለዋ። ኣፍሪካ ካብ ዘለውኣ 1,850 ዓሌታት ኣዕዋፍ እተን 850 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይርከባ። ካብዚኤን እተን 500 ድማ ኣብ ትግራይ ይርከባ። ዋላ’ኳ ትግራይ 1/5 ስፍሓት ጥራሕ ትሽፍን ትኹን እምበር 59% ዓሌት እዘን ኣዕዋፍ ሓቚፋ ትርከብ።
  • ሓራምዝ:- ካብቶም 5 ዓበይቲ ዝበሃሉ ናይ ዓለምና እንስሳታት ዝኾኑ ሓራምዝ ንምርኣይ ዝውሕዝ ናይ ዓለምና በዝሒ ህዝቢ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ትግራይ ሓራምዝ ካብ ካሊእ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ፍልይ ዘብሎም፤ ብጉጅለ ብበዝሒ ዝርከቡ ምዃኖም’ዩ።
  • ዓቕሚ (potential):- Community tourism, cable car, zipline, artifact sales, etc.
  • ደንከልያ:- (ኤርታሌ፣ በራሕለ. . . )

2.2 ባህሊ

ብዘበናዊ ዓለም ዘይተነኸአ ባህልታት ኩናማ፣ ኢሮብ፣ አገውን ብሄረሰብ ትግርኛን ኣለና። ናይ ባዕሎም አከዳድና፣ አከባብራ በዓላት፣ ልምድን ኣነባብራን ዘለዎም። ኣከዳድና፣ ማሕበራዊ ውራያትና፣ ወዘተ። እዚ ብብዙሓት በፃሕቲ ዓድታት ኣዝዩ ዝህረፍ እዩ።

2.3 በዓላት

ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ሂጂራ ነጋሽ፣ ኣክሱም ፅዮን፣ ጥምቀት፣ ወዘተ። እዚኦም ብኢትዮጵያ ደረጃ ብርክት ዝበለ ኣታዊ ዘርክቡ’ዮም። ንኣብነት:- ጥምቀት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ብድምቀት ይኽበር – ብዙሕ በፃሒ ዓዲ ድማ ይኸዶ። እንተኾነ ግን ጥምቀት ንመጀመርታ ጊዜ ምስ ምትእትታው ክርስትና ተተሓሒዙ ኣብ ኣክሱም ትግራይ’ዩ ተፈፂሙ። ኣብርሃ-ወኣፅበሃ ንፈለማ ጊዜ ክርስትና ዝተቐበሉ (ዝተጠመቑ) ኣብ ትግራይ’ዩ። እዞም ክከሓዱ ዘይኽእሉ መርትዖታት ብምቕራብ ካብ ማንም ንላዕሊ ብመረዳእታ ኣደጊፍና ኣብ ትግራይ ክኽበሩ ብምግባር ኣንፈት ዋሕዚ ዑደተኛታት ምቕያር ንኽእል ኢና።

ኣብ ኣፍሪካ ከም ደቡብ ኣፍሪካ፣ ግብፂን ሞሮኮን ዝበላ ሃገራት ህዝባውን ባህላውን በዓላቶም ናብ መስሕብ ብምቕያር ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ልዑል ኣታዊ ይረኽባሉ’የን። 

2.4 ታሪኽ

ትግራይ ኣብ ዘበነ-ስልጣነ የሓን ኣክሱምን ምስተን ውሑዳት ሓያላት ግዝኣታት ዓለም ተሰሪዓ ዝነበረት ጥንታዊት ዓዲ ‘ያ። እዚ ነበረያ ነበረ ዘይኮነስ ብዕድመ-ፀገብ ቅርስታት ዝተደገፈ ‘ዩ።

የሓ፣ ማይ ኣድራሻ፣ ኣክሱም፣ ዓወት ዓድዋ፣ መነበይቲ፣ ዛንታ ንግስቲ ሳባ፣ ሓውዜን፣ ውቕሮ፣ ምፍሳስ ባሕሪ፣ ታሪኻዊ ቦታታት ኢሮብን ኩናማን ክንደይ ኢልካ ክቑፀር። ኢትዮጵያ ልዕሊ 70% ታሪኽ ትግራይ ሒዛ እያ ናብ ዕዳጋ ትቐርብ።

  • ቦታታት ኳዕቲ (የሓ፣ ማይ ኣድራሻ፣ ዓዲ ኣኻውሕ፣ መነበይቲ፣ ኣክሱም፣ ወዘተ
  • መቓብራት (ናይ ነገስታት ኣክሱም፣ ናይ ዓበይቲ ሰባት ከም ራእሲ ኣሉላ፣ ልዕሊ 10 ቦታታትን ልዕሊ 20 ሽሕ ወታደራት ጣልያን)
  • ሓወልትታት (ካብ ዘበነ ኣክሱም ጀሚሩ ክሳብ እዚ ሐዚ ኣብ ከይዲ ዘሎ ኲናት)
  • ናይ ውግእ ቦታታት (ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ)
  • ቤተ-መዘክር (ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ መሊስና)

2.5 ሃይማኖት

ትግራይ ቅድሚ ማእኸላይ ምብራቕ ንክርስትና፣ ቅድሚ ኣዕራብ ድማ ንእስልምና ኣፍልጦ ዝሃበት፤ እዞም እምነታት ናብ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ንኽኣትዉ ጥጡሕ ባይታ ዝኸፈተትን ዝፈቐደትን ዓዲ ‘ያ። ብሰላም ተፋቒሮም ክነብሩ ዝገበሩ ስልጡናት ነገስታት ዝወነነት ዓባይ ዓዲ ‘ያ።

ኣብ ዓለም እቲ ብዙሕ ክርስትያናዊ ዑደት (pilgrimage) ዝግበረላ ዓዲ እስራኤል እያ። ቅድሚ ኮሮና ምምፅኡ ካብዚ ክርስትያናዊ ዑደት 7.5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ ነይራ። ትግራይ ድማ ክርስትና ናብ ኣፍሪካ ዝኣተወላ ናይ መጀመርያ ዓዲ እያ፤ ኢትዮጵያ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰትሉ ዋና ምኽንያት እውን እያ። ብበዝሒ ካብ ከውሒ ተፀሪቦም ዝተሃነፁ ኣብያተ-ክርስትያናት ‘ውን ቀዳመይቲ እያ።

ናብ መካ ኣብ ሓደ ዓመታዊ ጉዕዞ (ሂጂራ) ጥራሕ ልዕሊ 3 ሚሊዮን በፃሕቲ ዓዲ ይጓዓዙ። ካብ 3 ሚሊዮን ህዝቢ ክንደይ ኣታዊ ክርከብ ከምዝኽእል ምግማት ኣይኸብድን። ኣርባዒን ዝበሃል ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ኣብ ዓለምና እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝጓዓዘሉ ‘ዩ። 31 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ካርባላ፣ ኢራቕ ይጓዓዝ።

ትግራይ ካብዞም ቦታታት እዚኦም ዘይነኣኣስ ሚዛን ዘለዎም ሃይማኖታዊ ቦታታትን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኦም ዝዓዘዘ ታሪኻትን ኣለውዋ። እዚ ሒዝና ኢና ንጠሚ ዘለና።

ኣብ ዓለም ብበዝሒ ካብ ከውሒ ዝተፀረቡ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን ትግራይ ኣብ ቅድሚት ‘ያ። እዞም ገዳማት ዝሓቖፉዎም ጥንታዊ ስነ-ፅሑፋት ብራና ግእዝ ኣለዉና። ኣብ ታሪኽ እስልምና ቀዳማይን ካልኣይን ሂጂራ ዝተኻየደሉ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝተሃነፀ መስጊድ ነጋሽ ኣብ ትግራይ ይርከብ። ሃይማኖታዊ ቦታታት ሙስሊም ዝኾኑ ኣራ፣ ግጀት፣ ዓደርጉዲ፣ ሸኽ መቑራሕታይ፣ ባዕቲ ሸኽ ፈረጅ፣ ሸኽ ዒሳ፣ ወራባየን ምሳና እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰትሉ ምኽንያት ዝኾነ ስልጣነ “ኩሽ” ካብ ኣክሱም ዝተረኸበ ‘ዩ።

2.6 ሓወልትታት

ኣክሱም፣ ሕንዛት፣ ኣላጀ፣ መቐለ፣ ሽረ፣ ወዘተ

2.7 ስነ-ፅሑፍን ስነ-ጥበብን

  • መበቆል ግእዝ፣ ጥንታዊ ስነ-ፅሑፍ፣ ሙዚቃ፣
  • ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ
  • ኣብ ዓለም ዕድመ-ፀገብ ዝበሃል ወንጌል ኣብ እንዳባ-ገሪማ ይርከብ፣
  • ኣሰራርሓ ብራና፣ ጥልፊ፣ ስፈ ወዘተ

ካልኦት እውን ኣለውና። እዚኦም ብኣግባቡ ንዓለም ኣላሊና ዑደተኛታት ክመፁ እንተገይርና ናይ ብሓቂ ንሶም እውን ይረኽዑ ንሕና እውን ዓመታዊ ኣታዊና ልዕል ምባል ንኽእል ኢና።

3. ሰብ ሓይሊ

ብሕክምና ብበዝሒ ሓኻይም (Doctors) ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂላ ትርከብ። ብኣይቲ(IT)፣ ኢንጅነሪንግን ካልኦትን ንወፃኢ ሰደድ ክግበሩ ዝኽእሉ ሙሁራት ኣለዉዋ። ብወተሃደራዊ ሳይነስን ዲሲፕሊንን እውን ኣዝዩ ብቑዕ ሓይሊ ኣለና። ህንዲ በዚ መንገዲ ኣታዊ ትገብሮ ገንዘብ ልዑል እዩ። ኣብ እዋን ኢቦላ ብዙሓት ተጋሩ ሓኻይም ናብ ምዕራብ ኣፍሪካ ምስዳድና ይዝከር። መብዛሕትኦም ድማ ዘይነዓቕ ሃፍቲ ኣጥረዮም፤ ልምዲ ቀሲሞም ምምላሶም’ውን ይምስክሩ።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ጎቦ ፈንቂሉ ዝበልዕ ፃዕራም ህዝቢ እውን ኣለና፡፡

4. ሕርሻ

ጎላጉል ራያ፣ ወልቃይት፣ ሑሞራን ኣድያቦን ንትግራይ ሙሉእ ቀሊቡ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ክቐርብ ዝኽእል ምህርቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎም ሰፋሕቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ሕርሻ ቦታታት ኣለዎም። መስኖ ወሲኽካ ድማ ኣብ ዓዲ ሓ፣ ራማ፣ ራያ፣ ዛሬማን መዘጋን ካልኦት ከባብታትን ዝተርኣየ ኣብነታዊ ለውጢ ምስፍሕፋሕ ይከኣል እዩ። ብቴክኖሎጂ እንተተሓጊዙ ድማ ጣፍ ሓፀቦን ካልኦት ከባብታት ኣክሱም፣ እንዳባጉና፣ ሃገረ-ሰላም፣ ኦፍላ ወዘተ እውን ንትግራይ ሙሉእ ቀሊቡ ይተርፍ።

  • ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ
  • ራያ

ናይ ከተማ ድማ ከም

  • ቀላሚኖ
  • ፈለግ ዳዕሮ

ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

5. ፀዓት

ትግራይ ዓመት ሙሉእ እኹል ሓይሊ ክተፈልፍለሎም እትኽእል ተፈጥሮኣዊ ፀሓይ፣ ማይን ንፋስን ኣለውዋ።

1000 ኪሜ ልዕሊ ቅናት ምድሪ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክበብ እትርከብ ትግራይ ብፀሓይ ጥራሕ ዓርሳ ክትክእል ትኽእል እያ። ካብቲ ኣብ ተከዘ ዘሎ ግድብ ንታሕቲ ክልተ ሰለስተ አከታቲልካ ብምስራሕ ዘለና ናይ ኢንዳስትሪ ሓይሊ ፃምእን ምቁረረራፅን ኣርዊና ናብ ጎረባብቲ ክንሸጦ ንኽእል መጠን ፀዓት ምፍራይ ንኽእል ኢና። ተከዘ ኣብ ከባብታት ፀለምቲ ልዕሊ 2000 ሜትር ዕምቆት ኣለዎ። እዚ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓሞቐ ጉርዒ እዩ። ንሓይሊ ፀዓትን ቱሪዝምን ተመራፂ እዩ።

ኣብ ኣሸጎዳ ዘሎ ብዙሕ ፀገማት ዘለዎ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣስተኻኺልና እቲ ተሞክሮ ናብ ካሊእ ከባብታት ትግራይ ኣካፊሕና እንተንጥቀመሉ። ምስ ዓፋር ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ራያ፣ ወጀራት፣ ዴስኣን ምብራቕ ትግራይን ንንፋስ ጥጡሕ ኣቀማምጣ ኣለዎም።

ብሓፈሻ

  • ሃይሮኤለክትሪክ (ተከዘ. . .)
  • ንፋስ (ኣሸጎዳ፣ ዴስኣ. . .)
  • ፀሓይ (ኢኴተር)
  • ባዮጋዝ

እዚ ንከባብያዊ ሓምለዋይነት እውን ይሕግዝ ዩ።

6. ዓሳ

ጣዕሚ ዓሳ ተከዘን ሓሸንገን  ኣብ ዕዳጋ ተመራፂ ቃና ኣለዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓበይቲ ሆቴላት ተመራፂ እዩ። ከም ካልኦት ዓሳ ባሕርታት ጨው ዘይብሉ ምዃኑን ካልኦት ረቛሕታትን ተመራፂ ይገብርዎ። ካልኦት ኣናኡሽቲ ግድባት እውን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ክነፍርየለን ንኽእል።

እዙይ ብቀጥታ ብምሻጥ ከምኡ እውን ናኡሽቲ ትካላት መዐሸጊ ገይርካ ትግራይ ዓርሳ ክኢላ ናብ ደገ ክትሰደሉ ትኽእል ዕድል ኣሎ።

  1. አነ ሳባዊት says:

    ጽቡቅ ስራህ …. እዚ ሃፍቲታት ትግራይና ኩለና ክንፈልጦን ክንጥቀመሉን ይግባእ ስለትገብርዎ ዘለኩም ጻዕሪ ነመስግን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes:

<a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>