እዚ ካርታ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ እዩ፡፡ በቲ ሓደ ገፅ ብትግርኛ በቲ ካልኣይ ገፅ ብእንግሊዝኛ ሰብ ከከም ድሌቱ መሪፁ ከንብብ ዝተዳለወ እዩ፡፡ እዚ ካርታ ኣብ A2 ዓቐን፣ 100 ግራም፣ ግሎሲ ወረቐት ብሙሉእ ቀለም  ዝተሓተመ ኮይኑ ቀንዲ ዕላምኡ መስሕብን መባፅሒ ዑደተኛታትን ትግራይ ምልላይ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ናይ ኢንቨስትመንት ቦታታት፣ ክቡራት መዓድናት፣ ናይ ሕርሻ ቦታታት፣ ሃፍቲ እንስሳ፣ ሩባታት፣ ቃላያት ወዘተ ዝምልከት ጠቓሚ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ፡፡

ብሓፈሽኡ ካርታ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ብንኡሱ እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፡

  • ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ንምንታይ ትግራይ ምርኣይ ከምዘድሊ
  • ኣሰር ሕሉፋት ምዕባለታት ደኣማት፣ ኣክሱም፣ መቓብር ጋዕዋ ወዘተ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ጊዜ ትምህርቲ ዝተጀመረሉ ቦታ
  • ፍሉጣት መስሕባት (የሓ፣ ኣክሱም፣ ገርዓልታ፣ ውቕሮ፣ ቤተ መዘክር ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ፣ ወዘተ)
  • ሃይማኖታዊ ቦታታት (ቅድመ ክርስትያን ቦታታት፣ ገዳማት፣ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ኣድባራት፣ መስጊዳት)
  • መቐመጢ ፅላተ ሙሴ (ታቦተ ፅዮን)
  • መንግስታዊ፣ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት
  • ብሄራዊ ፓርክ፣ ደኒን መሐብሐቢ እንስሳ ዘገዳም
  • ጎቦታትን ስሓብቲ ኣቀማምጣ መሬትን (ፅበት፣ ጎቦታት ገርዓልታ፣ ጎቦታት ዓድዋ፣ እምባ ኣርዓዶም፣ እምባ ነበለት፣ ጎቦታት ወልቃይት፣ ወዘተ)
  • ወሓዝቲ ሩባታት፣ ቃላያት፣ መንጫዕጫዕታታት፣ ውዑይን ዝሑልን ነጠርቲ ማያት
  • ዓውደ ውግኣት፣ መቓብራት፣ ናይ መቓብር ሓወልቲታት፣ ቅርፃቅርፅታት
  • ከም በደና ለኮ፣ ጫካ ባላ፣ ተርታ ኣግማል፣ ጥበብ ከውሒ ባዕቲ ጋዕዋ፣ ጥንታዊ ቤተ መንግስቲ ሙሉ፣ ወዘተ ዝበሉ ብዙሕ ዘይተፋለጡ ቦታታትን ኩነታትን
  • ስሙያት ሰብ ታሪኽ (ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ፣ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ወዘተ)
  • በበይን ከመይን ከምዝብፅሑ (መጓዓዝያ፣ ኣታውን ወፃእን መንገድታት፣ ኩነታት መንገዲ፣ ወዘተ)
  • ናይ ክልል፣ ዞባን ካልኦትን ዋና ከተማታት
  • ቦታታት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኢንቨስትመንትን (ወርቂ፣ ነዳዲ፣ ጡጥ፣ ሰሊጥ፣ ሃፍቲ እንስሳ፣ ዕጣን፣ ወዘተ)
  • ካብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ርሕቐት ቦታታት
  • ወዘተ

ካርታ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ካብ ዝህቦም ጥቕምታትን ዝህልውዎ ዓላማታትን ንምጥቃስ

  • መስሕብ ቱሪዝም፣ መባፅሕታት ዑደተኛታትን ኢኮኖሚያዊ ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንሕብረተሰብ ዓለም ምልላይ
  • ቱሪዝም ትግራይ ዝምልከት ሓበሬታ ብቐሊሉ ተበፃሒ ምግባር
  • መምርሒ ዑደተኛታት ኮይኑ ከገልግል ምግባር
  • ኣብ ኩሎም ደረጃታት ትምህርቲ ከም መምሃር ሓገዝ ኮይኑ ክጠቅም
  • ብዛዕባ መስሕብ ቱሪዝም፣ መባፅሕታት ዑደተኛታትን ኢኮኖሚያዊ ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዝምልከት ንዑደተኛታት፣ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ተመራመርቲ፣ ሰብ ሃፍቲ ወዘተ ከም መጣቐሲ ሓበሬታ ኮይኑ ከገልግል
  • ብልዑል ፅሬቱን ሰሓባይነቱን ኣብ ዓለም ለኻውን ደቂ ዓድን ዑደተኛታት ትግራይ ናይ ምርኣይ ድሌት ምሕዳር
  • ብቐሊሉ ኣብ ጁባ (ኢድ) ዝተሓዝ፣ ሰሓባይን ሙሉእ ሓበሬታ ዘለዎን ካርታ ናብ ኢድ ተጠቃማይ ምብፃሕ
  • እቶም ዓበይቲ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ናብ ትርጉም ዘለዎ ኣታዊ ምቕያር
  • ብቐሊሉ ዝርከብን ዝርዳእን ኣማራፂ መምርሒ ዑደት ምፍጣር

እዚ ካርታ ኣብ መብዛሕትኦም መሸጢ ውህብቶን መፃሕፍትን ሹቓት ከምኡ እውን ኣብ ሆቴላት፣ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ትኬት ቢሮታት፣ ማእኸል ሓበሬታ ዑደተኛታትን ቢዝነሳትን ከተማታት ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ኣብ ናይሮቢ – ኬንያ፣ ዋሽንግተን ዲሲ – ኣሜሪካ፣ ስቶክሆልም – ስዊድን፣ ኣድለይድ – ኣውስትራሊኣን ይርከብ። ብበዝሒ ንዝገዝኡ ውልቀሰባትን ትካላትን ዓብይ ናይ ዋጋ ምንካይ ገይርና ኣለና፡፡ ኣብ መቐለ 50ን ልዕሊኡን፣ ኣብ መላእ ትግራይ 100ን ልዕሊኡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ድማ 200ን ልዕሊኡን ንዝገዝኡ ናብ ዘለውዎ ቦታ ነብፀሐሎም፡፡

ይግዝኡ: ንባዕሎምን ንዝፈትውዎ ሰብን ይሸልሙ፣ ንደቆም እውን ክልላዊ ሃፍትታት ብምልላይ መፃኢኦም ይህነፁ፡፡ ካብ ሕድሕድ ካርታ 5 ፐርሰንት ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ብምግባር ብሓደ እምኒ ክልተ ዒፍ ንመክት፡፡


ስነ-ስርዓት ምረቓ ካርታ ቱሪዝም ትግራይ

ምረቓ ካርታ ቱሪዝም ትግራይ

ምረቓ እዚ ታሪኻዊ ካርታ 12 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ዘማርያስ፣ መቐለ ላዕለዎት ሰበስልጣናት፣ ክቡራት ዕዱማትን ሚድያታትን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ተሳሊጡ።

ሽፋን ሚድያ

እዚ ካርታ ሰፊሕ ሽፋን ብርክት ዝበሉ ከባብያውን ዓለምለኻውን ሚድያታት ረኺቡ ዩ። ካብኣቶም ዝተወሰኑ፥

ካብ 13:10 ጀሚሩ
ካብ 4:37 ጀሚሩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ hadgitourism@gmail.com ኢመይል ይፅሓፉልና ወይ ብ ዋትስኣፕ ይርከቡና::