እቶም ፀላእቲ ትግራይ እሞ ንግደፎም፣ ብዙሓት ተጋሩ እንታይ ክንበልዕ ኢና ካብ ኢትዮጵያ ንግንፀል ክብሉ ይሰምዕ እየ። ኢትዮጵያውያን ንተጋሩ ጥይት እምበር እንጀራ ኣኾሎሶምና ከምዝፈልጡ እንታይ ክትበልዑ ኢኹም ይብሉና፣ ንሕና እውን ነጋውሖ። ትግራይ ሃፍታም እያ፡፡ መሊኡ ዘይጎደለ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ሓይሊ ፀዓት፣ መዓድናት፣ ሃፍቲ እንስሳ ወዘተ ኣለዋ፡፡

ሙሁራት ስነ ቁጠባ መፂኦም በቢ ዘርፉ ብቁፅሪ ዝተደገፈ መብርሂ ክሳብ ዝህቡና ብሓቂ ኣፍልጦ ሓፂሩዎም ንዝሓቱ ተጋሩ ብዘላትኒ ቁንፅልቲ ፍልጠት ከረድእ ክፍትን።

ካብ ካልኦት ሃገራት ወሲድና እነማዕብሎም ተሞክሮታት ከምዘለዎም ኮይኖም፣ ኣብ ኢድና ዘለው ነገራት ግን ብወገነይ እዞም ዝስዕቡ ክብል።

1. ሰደድ

ኢትዮጵያ ንወፃኢ ዓድታት ልኢኻ ሸርፊ ወፃኢ ካብ እትረኽበሎም እቶም ዋና 10 ሃፍትታት ብዘይ ቡን ዳርጋ ኩሎም ኣብ ትግራይ ኣለው። ቡን እውን ኣብ ራያ ተጀሚሩ ነይሩ እዩ።

ኣብ 2 ይ ደረጃ እኽልታት ቅብኣት (ሰሊጥ፣ ንሂጒ… )፣ 3ይ ዝርከብ ወርቂ፣ 5ይ መኣድናት፣ 8ይ ሃፍቲ እንስሳ (ጤለ በጊዕ… ) ከምኡ እውን መዓር፣ ዕጣንን ካልኦትን ዝበዝሕ ካብ ትግራይ ይርከቡ።

እዚኦም ኩሎም ናብ ብዘይረብሕ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንዳተሰደዱ ምስ ካብ ካሊእ ከባብታት ዝመፀ ፅሬቱ ዘይሓለወ ምህርቲ ተሓዋዊሶም መፃወቲ ነጋዴ ኮይኖም እዮም።

ንኣብነት መዓር ትግራይ ብደረጃ ዓለም ብፅሬቱን መድሓኒትነቱን ኣፍልጦ ረኺቡ እንዳሃለወ ቀጥታ ካብ ትግራይ ስኣን ምልኣኽ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሓደ ለኣኺ መዓር ዝኾነ ናይ ሃይለ ገብረስላሰ ይሽየጥ እሞ ንሱ ድማ ላዕሊላዕላ ናይ ትግራይ ገይሩ ምስ ካሊእ ይሸጦ። በዚ ድማ ንዝተወሰ ጊዜ ሰደድ ተቛሪፁ ምንባሩ ይዝከር።

ንሕና ዓለም ለኻዊ መለክዕታት ዘማልአ ናይ ባዕልና ደረጃ ፅሬት ኣውፂእና ብስርዓት ሰደድ እንተገይርና ናብራ ብርክት ዝበለ ሓረስታይና ክነመሓይሽ ንኽእል ኢና።

ሃፍትታት ተፈጥሮ ትግራይ

2. ቱሪዝም

ትግራይ ብመለክዒ ቱሪዝም ብዘይ ባሕሪ ኩሎም ዓይነታት ተማልእ እያ። ካብ ሃፍትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ልዕሊ 50% ናይ ትግራይ እዩ።

#ተፈጥሮ

  • ቃፍታ-ሸራሮ ፓርክ: ብብዝሓ-ሂወት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኦሞ ቀፂሉ ካልኣይ ደረጃ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓደ ተኣኪበን ብዝርከባ ጠረር ተሳገርቲ ዓሌት ሓርማዝ ቀዳማይ፣ ናይ ዓለምና 9% ዓሌት ኣዕዋፍ ዲሞሳይል ክሬይን ዝርከባሉ፣ ልዕሊ 167 መጥበውቲ፣ ልዕሊ 95 ዓሌታት ኣዕዋፍ፣ 9 ተስሓብትን ካልኦትን ዝሓቖፈ እዩ።
  • ዴስኣ: ኣብ ሞንጎ ዝተሓተ ሙቐት ዓፋርን ቁሪ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ 20000 ሄክታር ዓሪፉ ዝርከብ ዝገርም ተፈጥሮ
  • ሕጉም-ቡርዳ: ኣብ 2165 ሄክታር ዝሰፈረ ብርክት ዝበሉ ዓሌታት ተኽሊ፣ ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ዝሓቖፈ ንኣድነቕቲ ተፈጥሮ፣ ምሕዃርን ፅሙዋን ጥጡሕ ሕዛእቲ ዝሓዘ።
  • ሓሸንገ: ኣብ ትግራይ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ፣ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለው ውሑዳት ኣብ 2409 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ሃፍታም ቃላይ
  • ሩባታት:  ተከዘ፣ መረብ፣ ወርዒ፣ ኣንገረብ፣ ካዛ፣ መኮዞ፣ ሰሪካ፣ ቃሌማ፣ ዛሬማ፣ ሱር፣ ሸሸቢት፣ ፈራሲት፣ ምሻ፣ ገንጂ፣ በለሳ፣ ሰብሃ፣ ስሉሕ፣ ዛምራ፣ ሚሊያ፣ ጀለዋ፣ ደራራ፣ ሉሉላ፣ ዒንደሊ፣ ሊሖቲ፣ ወሰማ፣ ኣገፈት፣ ዓሰም ወዘተ
  • ጎቦታት: ፅበት፣ ሶሎዳ፣ ገርዓልታ፣ ኣላጀ፣ ነዋይ፣ ኣርዓዶም፣ ባሕረ ስሔታ፣ ሙጉላት፣ ዓሲምባ፣ ዳማባ ኮማ፣ ነበለት፣ ዓድዋ፣ ሰማያታ፣ ገሊላ፣ ደብረ ኣንሳ፣ ጎሓሊት፣ እምባ ጢዞ፣ ኣሎጌን፣ እምባ ፅዋ፣ ወልቃይት፣ ሽሬላ፣ ዓዲ ዓኾሮ፣ ደጀና፣ ወዘተ
  • መንጫዕጫዕታታት: ዘወልዲ፣ ሆላ፣  ቃቓ፣ ጨለዓንቋ፣  ወዘተ
ተከዘ

#ባህሊ

ብዘበናዊ ዓለም ዘይተነኸአ ባህልታት ኩናማ፣ ኢሮብ፣ አገውን ብሄረሰብ ትግርኛን ኣለና። ናይ ባዕሎም አከዳድና፣ አከባብራ በዓላት፣ ልምድን ኣነባብራን ዘለዎም። እዚ ብብዙሓት በፃሕቲ ዓድታት ኣዝዩ ዝህረፍ እዩ።

#በዓላት

ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ሂጂራ ነጋሽ፣ ኣክሱም ፅዮን፣ ጥምቀት፣ ወዘተ

#ታሪኽ

ኣክሱም፣ ዓወት ዓድዋ፣ መነበይቲ፣ ዛንታ ንግስቲ ሳባ፣ ታሪኻዊ ቦታታት ኢሮብን ኩናማን ወዘተ

#ሃይማኖት

ኣብ ዓለም ብበዝሒ ካብ ከውሒ ዝተፀረቡ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን ቀዳሞት ኢና። እዞም ገዳማት ዝሓቖፉዎም ጥንታዊ ስነፅሑፋት ግእዝ ኣለውና። ኣብ ኣፍሪካ ናይ መጀመርታን ፈላማይ ሂጂራ ዝተኻየደሉ መስጊድ ነጋሽ፣ ሃይማኖታዊ ቦታታት ሙስሊም ዝኾኑ ኣራ፣ ግጀት፣ ዓደርጉዲ፣ ባዕቲ ሸኽ ፈረጅ፣ ሸኽ ዒሳ፣ ወራባየን ምሳና እዮም። ፣ ኢትዮጵያ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰትሉ ምኽንያት ዝኾነ ስልጣነ “ኩሽ” ካብ ኣክሱም ዝነበረ ዩ።

#ሓወልትታት

ኣክሱም፣ ሕንዛት፣ ኣለጀ፣ መቐለ፣ ሽረ፣ ወዘተ

#ስነ_ፅሑፍን ስነ ጥበብን

መበቆል ግእዝ፣ ጥንታዊ ስነ ፅሑፍ፣ ሙዚቃ፣ ኣብ ዓለም ዕድመ ፀገብ ዝበሃል ወንጌል ኣብ እንዳባ ገሪማ ይርከብ፣ ኣሰራርሓ ብራና፣ ጥልፊ፣ወዘተ

ካልኦት እውን ኣለውና። እዚኦም ብኣግባቡ ንዓለም ኣላሊና ዑደተኛታት ክመፁ እንተገይርና ናይ ብሓቂ ንሶም እውን ይረኽዑ ንሕና እውን ዓመታዊ ኣታዊና ልዕል ምባል ንኽእል ኢና።

3. ሰብ ሓይሊ

ብሕክምና ብበዝሒ ሓኻይም (Doctors) ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂላ ትርከብ። ብኣይቲ፣ ኢንጅነሪንግን ካልኦትን ንወፃኢ ሰደድ ክግበሩ ዝኽእሉ ሙሁራት ኣለውዋ። ብወተሃደራዊ ሳይነስን ዲሲፕሊንን እውን ኣዝዩ ብቑዕ ሓይሊ ኣለና። ህንዲ በዚ መንገዲ ኣታዊ ትገብሮ ገንዘብ ልዑል እዩ። ኣብ እዋን ኢቦላ ብዙሓት ተጋሩ ሓኻይም ናብ ምዕራብ ኣፍሪካ ምስዳድና ይዝከር።

ጎቦ ፈንቂሉ ዝበልዕ ፃዕራ ህዝቢ እውን ኣለና፡፡

4. ሕርሻ

ጎላጉል ራያ፣ ወልቃይት፣ ሑሞራን ኣድያቦን ንትግራይ ሙሉእ ቀሊቡ ንደገ ክሽየጥ ዝኽእል ሰፋሕቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ሕርሻ ዓቕሚ ኣለዎም። መስኖ ወሲኽካ ድማ ኣብ ዓዲ ሓ፣ ራማ፣ ራያ፣ ዛሬማን መዘጋን ካልኦት ከባብታትን ዝተርኣየ ኣብነታዊ ለውጢ ምስፍሕፋሕ ይከኣል እዩ። ብቴክኖሎጂ እንተተሓጊዙ ድማ ጣፍ ሓፀቦን ካልከኦት ከባብታት ኣክሱም፣ እንዳባጉና፣ ሃገረሰላም ወዘተ እውን ንትግራይ ሙሉእ ቀሊቡ ይተርፍ።

5. ፀዓት

ትግራይ ዓመት ሙሉእ እኹል ሓይሊ ክተፈልፍለሎም እትኽእል ተፈጥሮኣዊ ፀሓይ፣ ማይን ንፋስን ኣለውዋ። 

1000 ኪሜ ልዕሊ ቅናት ምድሪ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክበብ እትርከብ ትግራይ ብፀሓይ ጥራሕ ዓርሳ ክትክእል ትኽእል እያ። ካብቲ ኣብ ተከዘ ዘሎ ግድብ ንታሕቲ ክልተ ሰለስተ አከታቲልካ ብምስራሕ ዘለና ናይ ኢንዳስትሪ ሓይሊ ፃምእን ምቁረረራፅን ኣርዊና ናብ ጎረባብቲ ክንሸጦ ንኽእል መጠን ምፍራይ ንኽእል። ተከዘ ኣብ ከባብታት ፀለምቲ ልዕሊ 2000 ሜትር ዕምቆት ኣለዎ። እዚ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓሞቐ ጉርዒ ይፈጥር። ንሓይሊ ፀዓትን ቱሪዝምን ተመራፂ እዩ።

ኣብ ኣሸጎዳ ዘሎ ብዙሕ ፀገማት ዘለዎ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣስተኻኺልና እቲ ተሞክሮ ናብ ካሊእ ከባብታት ትግራይ ኣካፊሕና ንጥቀመሉ። ምስ ዓፋር ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ራያ፣ ወጀራት፣ ዴስኣን ምብራቕ ትግራይን ንንፋስ ጥጡሕ ኣቀማምጣ ኣለዎም።

ኣሸጎዳ

6. ዓሳ

ጣዕሚ ዓሳ ተከዘ ኣብ ዕዳጋ ተመራፂ ቃና ኣለዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሆቴላት ተመራፂ እዩ። ከም ካልኦት ዓሳ ባሕርታት ጨው ዘይብሉ ምዃኑን ካልኦት ረቛሕታትን ተመራፂ ይገብርዎ። ሓሸንገ እውን ኣለና። ካልኦት ኣናኡሽቲ ግድባት እውን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ክነፍርየለን ንኽእል።

እዙይ ብቀጥታ ብምሻጥ ከምኡ እውን ናኡሽቲ ትካላት መዐሸጊ ገይርካ ትግራይ ዓርሳ ክኢላ ናብ ደገ ክትሰደሉ ትኽእል ዕድል ኣሎ።

  1. Yemane says:

    It’s good script. But with major limitations and wrong attitude.
    The explanation on agriculture focused on valleys. It’s too wrong attitude.
    All areas are suitable for agricultural export production. Eg you mentioned honey which is produced in the central and eastern part.

    • Andom says:

      Dear Yemane, thank you for the comment.

      There is no specific location I dedicated for each treasure in Tigrai. If mentioned, they are just examples. I wrote a general article. I didn’t mention “honey which is produced in the central and eastern part”. If you are talking about the picture, its just a screenshot of a complete map that you can buy and read the details. Honey is produced throughout Tigrai. You can find it in Atsbi, Bora, Tselemti, Asgede, Temben, etc. Plus, I mentioned this article is not that professional. Its needs input and clarification from professionals of each sector.

  2. Fisseha says:

    Andom
    I was amazed by fruit products in Tigray. It has been in the shops all year round & most of the mango apples, Papaya, bananas, orange, water mellon, etc. We were blinded by the old saying from the expansionist fprces. More so, I people are undermining Tigray in many respects. If money & trchnology is there there is no way we would not be a market for the rest of the neighbourhood. If we use our land wisely & scientifically including use of hills & mountains as house hold (Urban re engineering).
    Tigray has a lot more to profuce surplus to export. Those who undermine Tigray should question how the Arabs are living in Deserts? Target is make money & the rest will come by it self. To do this able mentality should be at the leadership.
    ካላስ

    • Andom says:

      Fish, yes!
      We do have many potential economic resources that need close look.

    • Abraha says:

      It’s people ! Can’t you see what they are doing? What’s religion, culture and all that Tigray has without it’s people

  3. Emuru says:

    I think she explained well and clearly mentioned the source of income we have in tigray. it doesn’t matter the exact location or place, she might be put wrong location but the matter is we have it those resources to stand as a country. Of course this needs more professional studies and research. I think those points are so important.
    Good points.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes:

<a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>